3 ንሱ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ርሑቕ ኣብ ዘለዉ ብርቱዓት ኣህዛብውን ክብይን እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ንማሕረሻ፥ ኲናውቶም ድማ ንማዕፂድ ክገብርዎ እዮም፤ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዂናት ኣየልዕልን፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
እምባታትን ኰረብታታትን፥ ብፅድቂ ንህዝብኻ ሰላም ይቀበሉ።
ብዘመኑ ፅድቂ ይዕምብብ፤ ወርሒ ክሳዕ እትሓልፍውን ብዙሕ ሰላም ክህሉ እዩ።
ኦ ኣምላኽ፥ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እውን ፍረድ፤ ንስኻ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስ ኢኻ።
ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
ንሱ ኣብ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
ንሱ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ክብይን እዩ። ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ማሕረሻታት፥ ኲናውቶምውን ማዕፂድ ገይሮም፥ ክሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ ሰይፊ ኣየልዕልን እዩ፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
ስለዙይ እቶም ብርቱዓት ህዝቢ ከኽብሩኻ እዮም። ከተማ ናይ ጨካናት ኣህዛብ ከዓ፥ ክትፈርሐካ እያ።
ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤ ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤ ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥ ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።
እቶም ዘይግዝኡኺ ህዝብታትን መንግስታትን ግና ኽጠፍኡ፥ እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምውን ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።”
ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ።
ብእምነት ንኣይ ክትኮኒ ኽሓፅየኪ እየ፤ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር፥ ክትፈልጢ ኢኺ።
ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥ ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥ ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥ ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥ ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥ ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
ነቶም ዘይሰምዑ ኣህዛብ ከዓ ብቝጥዓን ብመዓትን ሕነ ኽፈዲ እየ።”
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ብጊዜ ዂናት ዝተዋግኦ፥ ንኣህዛብ ክዋግኦም ክወፅእ እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝነብሩ ኣህዛብ ገና ኽመፁ እዮም።
“ንሰረገላታት፥ ካብ ኤፍሬም፥ ነፍራስ ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስትታት ውግእ ክስበር እዩ፤ ንኣህዛብውን ሰላም ክእውጅ እዩ፤ ግዝኣቱ ኸዓ ኻብ ባሕሪ፥ ክሳዕ ባሕሪ፥ ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።”
በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።
ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።
እቶም ምስ እግዚኣብሄር ዝፃልኡ ይደቁ፤ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጐድጕድ፤ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይፈርድ፤ ንንጉስ ሓይሊ ይህብ፤ ንቐርኒ መሲሑ ኸዓ ልዕል ልዕል የብሎ።”