8 ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ኽነግር፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ሓይልን ፍርድን ትብዓትን ተመሊአ ኣለኹ።
ቃል መሊኡኒ ኣሎሞ፥ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ይደፋፍአኒ ኣሎ።
“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።
ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥ ክእውጅ ለኣኸኒ።
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ።
“ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤ ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥ ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።
ስለዙይ ብቝጥዓ እግዚኣብሄር ተመሊአ ኣለኹ፤ ክዕገስ ድማ ኣይክእልን። ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣብቶም መናእሰይ ባይቶን ኣሕቢርካ ኣፍስሶ፤ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኽውሰዱ እዮም፤ ኣረጋውያንውን ምስ ጐበዝ ክተሓዙ እዮምሞ።
ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኢየሩሳሌም ርኽሰታ ኣፍልጣ፤”
“ክትፈርዶም ዲኻ? ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርዶም ዲኻ? ርኽሰት ኣቦታቶም ኣፍልጦም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ክትፈርድዶ ኢኻ? ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ? እምበኣርከስ ኵሉ ርኽሰታ ኣፍልጣ።
እግዚኣብሄር ከዓ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ? እምበኣር በደለን ንገረን።
እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ብሓጢያቶም ክሓፍሩስ፥ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፤ ምስሊ እቲ ህንፃውን ይለክዑ።
ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ነበረ እሞ።
እቶም “ቦኣኔርጌስ” ማለት “ደቂ ነጐድጓድ” ኢሉ ዝሰመዮም ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን፥
ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን።