5 እግዚኣብሄር ንህዝበይ ብዛዕባ ዘስሕቱ ነቢያት በስናኖም እናተናኸሱ ሰላም ዝእውጁ፥ ነቲ ናብ ኣፎም ዝኾነ ዘይህቦም ድማ፥ ውግእ ዝእውጁ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦
ኣድልዎ ግቡእ ኣይኮነን፤ ምእንቲ ቝራስ እንጀራ ምብዳልውን፥ ፅቡቕ ኣይኮነን።
ንህዝበይ ኣገበርቶም ይገፍዕዎም፤ ጨቆንቶም ከዓ ይገዝእዎም። ኦ ህዝበይ፥ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፤ ነታ እትኸደላ መንገዲውን የጥፍእዋ ኣለዉ።
ከምቲ ኣቦታቶም ንጣዖት ብምምላኽ ስመይ ዝረስዑ፥ ንሳቶም ብዝነግርዎ ሕልሚ፥ ህዝበይ ስመይ ክርስዕ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሎም ኣሎ።
እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።
“ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና።
ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።
ኢደይ ከዓ ነቶም ከንቱነት ዝሪኡን ሓሰት ዝንበዩን ነቢያት ክትፃረሮም እያ፤ ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይህልዉን፤ ኣብ መፅሓፍ ቤት እስራኤል ድማ ኣይፀሐፉን፤ ናብ ምድሪ እስራኤል ከዓ ኣይኣትዉን እዮም፤ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ።
እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤ ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤ ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።
“ንንፋስ ተኸቲሉ ስለ ወይንን ስለ ስኽራንን ትንቢት ክነግረካ እየ ኢሉ፥ ሓሰት ዝዛረብ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነዝ ህዝቢ እዙይ ነቢይ ይኸውን።
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
ንስኻትኩም ግና፥ ካብ መንገዱ ኣግለስኩም፤ ብሕጊ እውን ብዙሓት ከም ዝዕንቀፉ ጌርኩም ኢኹም፤ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣነዊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።
“ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።
እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን፥ የዋህ ብምምሳልን፥ ንብዙሓት ገርህታት የስሕትዎም እዮም እሞ።