4 ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን፤ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ክፉእ ስለ ዝገበሩ ገፁ ኻባኣቶም ክስውር እዩ።
ብሓቂ፥ መከራ ምስ መፆኸ፥ እግዚኣብሄር ኣውያቱ ይሰምዕ ድዩ?
ብሓቂ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ነገር ኣይሰምዕን፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣይምልከቶን።
ዝረድኦም ደልዮም ኣእወዩ፤ ዘናግፎም ግና ኣይረኸቡን፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ኣእወዩ፤ ንሱውን ኣይሰምዖምን።
ሽዑ ናባይ ክትምህለሉ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኣይምልሰልኩምን እየ፤ ኣንጊህኹም ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፥
እቲ ንሕጊ ኸይሰምዕ እዝኑ ዝደፍን ሰብ፥ ፀሎቱ ፅዩፍ እዩ።
“ኣእዳውኩም ናባይ እንተ ዘርጋሕኹም፥ ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክኽውል እየ፤ ልመና እንተ ኣብዛሕኹምውን ኣይሰምዐኩምን እየ፤ ኣእዳውኩም ደም መሊአን እየንሞ።
ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፤ ናባይ ከእውዩ እዮም፤ ኣነ ግና ኣይሰምዖምን እየ።
እንተ ፆሙ ፀሎቶም ኣይሰምዕን፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን እኳ እንተ ኣቕረቡለይ ኣይቅበለሎምን እየ። እኳ ደኣ ብውግእን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ” በለኒ።
ምስ ከለዳውያን ክዋግኡ መፂኦም እዮም፤ እዚኣቶም ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቝጥዓይ ዝቐተልኩዎም ሰባት ክመልእዋ እዮም። ብሰንኪ ዅሉ ኽፍኣቶም ካብዛ ኸተማ እዚኣ ገፀይ መሊሰ ኣለኹ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
ስለዙይ “ኣነ ድማ ብናህሪ ኽገብር እየ፤ ዓይነይ ኣይትርህርሀሎምን እያ፤ ኣይምሕሮምን እየ፤ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ኣእወዩ እኳ ኣይሰምዖምን እየ” በለኒ።
እቶም ራእይ ዝሪኡ ኽንውሩ፥ እቶም ትንቢት ዝዛረቡ ኸዓ ኽሓንኩ እዮም። እግዚኣብሄር ስለ ዘይምልሰሎም፥ ኵላቶም ብሕፍረት ከንፈሮም ክኸድኑ እዮም።”
እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ።
ኣነ ፀዊዐዮም ከም ዘይሰምዑ፥ ኣነውን ከምኡ እንትፅውዑኒ ኣይሰምዖምን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም።
በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።
እግዚኣብሄር፥ ንዝፈርሖን ፍቓዱ ንዝፍፅምን እዩ ዝሰምዕ እምበር፥ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።
እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ በቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ ናብ እግዚኣብሄር ክተእውዩ ኢኹም፤ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣይሰምዐኩምን እዩ።”