12 ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።
ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።
ኦ ኣምላኽ፥ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣተዉ፤ ንቕድስቲ መቕደስካውን ኣርከስዋ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ።
እታ ኣዳራሹ ዑና ኽትከውን እያ፤ እታ ናይ ብዙሓት ሰባት ከተማውን ፀው ክትብል እያ። ዕርድን ግምብን ከዓ ንሓዋሩ መዐንደሪ ኣድጊ በረኻን መዋፈሪ መጓሰን ክኸውን እዩ።
እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እምባይ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ወሰናትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት፥ ንሃብትኽን ንዅሉ መዛግብትኽን ንዘመተ ኽህቦ እየ።
ነዝ ቓል እዙይ እንተ ዘይተኣዘዝኩም ግና እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዓኑ፥ ብርእሰይ መሓልኩ” ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኵሉ እቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምፃእኽዎ ኽፉእ ነገር ርኢኹምዎ ኣለኹም። እንሆ ኸዓ፥ ክሳዕ ሎሚ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዝነብረለን ዘየለ ኾይነን ኣለዋ።
ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን።
“ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።
ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ።
ስለዙይ “ንሰማርያ ኸም ኣብ ሜዳ ዘሎ ኹምራ እምንን፥ ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጥሮ ኽውርውሮ፥ ንመሰረታ ኸዓ ኽቐልዖ እየ።
ንሱ ድማ መሊሱ “እዝ ዅሉ ትሪእዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።