8 “ግና ኻብ ቀረባ ጊዜ፥ ህዝበይ ከም ፀላኢ ኾይኑ ተልዓለ፤ ሓሳብ ውግእ ካብ ዘይነበሮም፥ ብሰላም ካብ ዝሓልፉ ሰባት፥ ባርኖስ ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ገፈፍኩም።
ኣብ እስራኤል ሰላምን ሓቅን ካብ ዝፈትዉ ኣነ እየ፤ ንስኻ ደኣ ስለ ምንታይ ነዛ ኣብ እስራኤል እኖ ዝኾነት ከተማ ኽተፍርሳ ትደሊ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ኢኻ ነታ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ?” ኢላ ነገረቶ።
ነቶም ምስኡ ብሰላም ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኢዱ ዘርግሐ፤ ንኺዳኑውን ኣርከሳ።
ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ርስተይ ኣብ ዱር ከም ዘሎ ኣንበሳ ኾይናትኒ ኣላ፤ ኣብ ልዕለይ ድምፂ ተስምዕ ኣላ፤ ስለዙይውን ፀላእኽዋ።
ንስኻትኩም ግና ሰናይ እትፀልኡን፥ ክፉእ ከዓ እትፈትዉን ሰባት ኢኹም። ንህዝበይ ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ንስጋኦም ካብ ኣዕፅምቶም ፈላለኹምዎ።
ንህዝበይ ስጋኦም በሊዕኹም ቈርበቶም ቀሊጥኩም፥ ኣዕፅምቶም ሰባቢርኩም፥ ከምቲ ናብ ድስቲ ዝኣቱ ስጋ ቘራሪፅኩምዎም።
ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።
ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።