6 ነቶም ዝንበዩ ኣይትነበዩ ይብልዎም፤ ብኣኣቶም ትንቢት እንተ ዘይተናገሩኳ ነውሮም ኣይርሕቕን።
ምልክታትና ኣይንርእን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ነቢይ የለን፤ ክሳዕ መኣዝ ከም ዝነብር ዝፈልጥ ኣባና የለን።
እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።
ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፥ ናብ ደቡብ ከዓ ቓልካ ኣንጠብጥብ፤ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር በረኻ ድማ ተነበየሉ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፤ ቃልካ ኸዓ ናብቲ ቅዱስ ስፍራታት ተናገር፤ ንምድሪ እስራኤል ከዓ ኣንፃራ ተነበየላ።
ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ምእንቲ ኽትዕበስን፥ ዘላፊኦም ከይትኸውንስ፥ ልሳንካ ኣብ ታሕናግካ ኸጣብቕ እየ።
ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስተኹምዎም፤ ንነቢያት ከዓ ‘ኣይትነበዩ’ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።
ግና ቤቴል ናይ ንጉስ መቕደስ፥ ናይ መንግስቱውን መንበሪ እያ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ኣብኣ ኣይትነበ” በሎ።
ሕዚ እውን ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ‘ንስኻ፥ ኣንፃር እስራኤል ኣይትነበ፤ ኣንፃር ቤት ይስሓቕውን ኣይትስበኽ’ ትብል ኣለኻ።
“ስለዙይ ዝረአኹምዎ ራእይ፥ ለይቲ፥ ጥንቈላኹም ድማ ፀልማት ክኾነኩም እዩ፤ ፀሓይውን ኣብ ልዕሊ ነቢያት ክትዓርብ እያ፤ መዓልቱውን ክፅልምቶም እዩ።
ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”
ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ገኒኑ ኸይውረ፥ ደጊም ብስም ኢየሱስ፥ ንሰብ ከይምህሩን ከይዛረቡን ብፅኑዕ ነጠንቅቆም” በሉ።
“ብስም እዝ ሰብ እዙይ ከይትምህሩዶ፥ ብፅኑዕ ኣዚዝናኩም ኣይነበርናን? እንሆ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኹምዋ። ደም እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሌና ኽተምፅኡ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።
ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም።
“ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገረዘ፤ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።