3 ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ እዝ ወለዶ እዙይ፥ ክፉእ ክምህዘሉ እየ፤ እንሆ፥ ክፉእ ዘመን እዩሞ ኽሳድኩም ኣይተልዕሉን፤ ተዓቢኹም ከዓ ኣይትኸዱን።
ጨካናት ድሕሪ ደጊም ኣይህልዉን እዮም፤ እቶም መላገፅቲ ኽጠፍኡ፥ ንኽፍኣት ዘድብዩ ዅሎም ክውገዱ እዮም።
መሊሱ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣዋልድ ፅዮን ኮሪዐን፥ ክሳውደን ገቲረን፥ በዒንተን እናጠቐሳ፥ ግንትእ ብዝበለ ኣረጋግፃ፥ ናይ እግረን ኣልቦ እናቃጨላ ይኸዳ ኣለዋሞ፥
“ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም!
እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።
ኣነ ድማ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ልክዕ ከምዘን ቃላት እዚኣተን ገይረ ነገርክዎ፤ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ስልጣን ንጉስ ባቢሎን ትሕት ኣብሉ፤ ንእኡን ንህዝቡን ከዓ ተገዝኡ እሞ፥ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ እቲ ንጉስ ነቲ ብራና ብካራ እናቐደደ፥ ናብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ። እታ ጥቕልልቲ ብራና ድማ ብምልእታ ኣብቲ ሓዊ ምድጃ ሞዅ በለት።
ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።
ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኖን። “ኣርዑት በደለይ ብኢዱ ተትሓዘት፤ ተጠላሊፉ ድማ ኣብ ክሳደይ ተጠምጠመ፤ ንሓይለይውን ኣድከሞ፤ ጐይታ ናብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ፀላእተይ ኣሕሊፉ ሃበኒ።”
ፌ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓሰቦ ገበሮ፤ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ጊዜ ተናጊርዎ ዝነበረ ቓሉውን ፈፀሞ፤ ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሰኪ፤ ፀላኢ ብስቓይኪ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ።
ሰጐጕትና ኣብ ክሳድና እዮም፤ ንሕና ደኸምና፤ ዕረፍቲ እውን ሰኣንና።
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
ካብ ጐያዪ ህድማ ይጠፍእ፤ ብርቱዕውን ብብርተዐኡ ኣይብርትዕን፤ እቲ ሓያልውን ንነፍሱ ኣየድሕንን።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦
“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”
ስለዙይ፥ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፥ እቲ ለባም በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ዘመን ስቕ ይብል።
እቶም በደል ዝምህዙ፥ ኣብ መደቀሲኦም ከዓ ኽፉእ ዝፍሕሱ ወይለኦም! ስልጣን ኣብ ኢዶም ስለ ዝኾነ፥ ብብርሃን ወጋሕታ ኽፍፅምዎ እዮም።
ንሳቶም ምእንታይ፥ ህይወቶም ንምሕላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮም እሞ፥ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ፥ ኣብያተ ክርስቲያን ኣህዛብ ኵለን እየን ዘመስግናኦም።
ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።
እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።