2 ገራሁ ይብህጉ፥ ይሕዝዎውን፤ ኣባይቲ ይምነይዎ፥ ይወስድዎውን፤ ንሰብኣይን ንቤቱን፥ ንሰብን ንርስቱን ይምንጥሉ።
ንኢይዝራኤላዊ ናቡቴ ኣብ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ጥቓ ቤት ኣክኣብ ንጉስ ሰማርያ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።
‘ነቲ ደም ናቡቴን ደም ደቁን ብርግፅ ትማሊ ሪአዮ እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ክፈድየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ወሲድካ ኣብታ ግራት ናቡቴ ደርብዮ” በሎ።
“ግራተይ ብኣይ ኣእውያ እንተ ኾይና፥ ትልምታታ ድማ ብሕብረት በኽዮም እንተ ኾይኖም፥
“ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ፥ ኣገልጋሊኡ፥ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ፥ ኣድጉ፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።”
እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይቲ ህዝቡን ኣሕሉቕን ይፈርዶም፤ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝበላዕኹም ንስኻትኩም ኢኹም፤ ካብ ድኻታት ዝወረርኩምዎውን ኣብ ገዛኻትኩም ይርከብ።
ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም!
ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።
ንምስኪንን ንድኻን ዝገፍዕ፥ መንዚዑ ዝወስድ፥ ትሕጃ ዘይመልስ፥ ኣዒንቱ ናብ ጣዖታት ዝጥምት፥ ፅዩፍ ነገር ዝገብር፥
ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“እንሆ እምበኣር በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕኽዮን፥ በቲ ኣብ ማእኸልኪ ዘፍሰስክዮ ደምን፥ ኢደይ ኣጣቓዕኹ።
ኣብ ሰይፍኹም ትፅግዑ፥ ፅያፍ ትገብሩ ኣለኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብፃዩ የርክስ ኣሎ፤ ምስ ናይ እዙይስ ነታ ምድሪዶ ኽትወርስዋ ኢኹም።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ደጊም ይእኸልኩም፤ ዓመፃን ብዝበዛን ሕደጉ፤ ቅንዕናን ፅድቅን ግበሩ፤ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
እቲ ሓለቓ ከዓ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም፤ ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይንቀልስ፥ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ኸረስትዮም እዩ።”
ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዶ? ነታ ምድሪ ብዓመፅ መሊኦምዋ፤ መመሊሶም ድማ ቝጥዓይ ዘለዓዕሉስ፥ ቤት ይሁዳ እዝ ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትዶ ውሒድዎም እዩ፤ እንሆ፥ ንሳቶም ነቲ ጨንፈር ናብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ” በለኒ።
ንርእሲ ድኻታት ኣብ ልዕሊ ሓመድ ምድሪ ይረግፅዎ። ንመንገዲ ትሑታት ይጠዋውይዎ። ነቲ ቕዱስ ስመይ ከርክስዎ ኸዓ፥ ኣቦን ወድን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኣትዉ።
ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።
ንስኻትኩም ኣቱም ነቲ ምስኪን እትውሕጡ፥ ነቶም ፅጉማት እታ ሃገርውን ክተጥፍኡ እትደልዩ፥
ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።
እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ኣቱም ግብዛት፥ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ መንግስተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገፁ እትዓፅዉሉ፥ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ፥ ወይለኹም!
ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።