13 እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።”
እቲ ብቕድሚ ደቂ እስራኤል ዝኸይድ ዝነበረ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ድማ ተመሊሱ ብድሕሪኦም ኮነ። እቲ ዓምዲ ደመና ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ተልዒሉ ብድሕሪኣቶም ቆመ፤
ንስኻ ኸዓ ኣዒንቲ ዕዉራት ክትከፍት፥ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፥ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝነብሩ ኸዓ ኻብ ማእሰርቶም ክተውፅኦም ኢኻ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ።
ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ።
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
“ኦ ያእቆብ፥ ኵለንትናኻ ፈፂመ ኽእክበካ እየ፤ ተረፍ እስራኤልውን ብርግፅ ክእክብ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ባሶራ፥ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓደ ኽእክቦም እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ድምፆም ከስምዑ እዮም።
ኣነውን ከምዙይ በልኩ፤ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን፥ መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን ስምዑ፤ ስለ ፍትሒ ምፍላጥዶ ኣይግብአኩምን?
ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።”
ብኣምላኾም ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፤ ብስሙውን ክምክሑ እዮም” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።
ሽዑ ነቶም ካህናት፥ “ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ኺዱ” በሎም። ታቦት ቃል ኪዳን ተሰኪሞም ከዓ ቐቅድሚ ህዝቢ ሓለፉ።
እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።