8 “በዝ ምኽንያት እዙይ እበክን፥ ዋይ ዋይ እብልን፥ ጥራሕ እግረይን ጥራሕ ሰብነተይን ኮይነ እኸይድ፥ ከም ውኻርያ እበኪ፥ ከም ሰገን ከዓ ድምፂ ሓዘን ኣስምዕ ኣለኹ።
ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ንዅለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ወሪሩ ሓዘን።
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
ንወኻሩ ሓወን፥ ንሰገናትውን መሓዛአን ኮንኩ።
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብር ኣባ ጕምባሕ መሰልኩ፤ ከምቲ ኣብ ዑና ዘሎ ጉጓውን ኮንኩ።
ግና ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኽሰፍሩ እዮም፤ ኣባይታ ብጕጓታት ክመልእ እዩ፤ ሰገናት ኣብኣ ኽነብራ እየን፤ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኽሰራሰሩ እዮም።
ተዅላታት ኣብ ኣደራሻታ፥ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ፅቡቕ ግምብታታ ኽንቅዉ እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፤ መዓልትታታውን ኣይድንጕያን እየን።
ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።
ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።
ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ።
ኣትን ጥዒሙክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ደጊም ተሸበራ፤ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣዋልድ ረዓዳ። ክዳንክን ቀንጥጣ እሞ ጥራሕኽን ኩና። ኣብ ሕቘኽን ከዓ ወጮ ተዓጠቓ።
ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!
“ንእምባታት ብኽያት፥ ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥ ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤ ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥ ክቝዝመሎም እየ፤ ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”
“ኣታ ኽንደይ ተዘመትና! ንኣባይትናውን ኣፍሪሶምዎ እዮም እሞ፥ ምድርናውን ሓዲግና ኢናሞ፥ ውርደትናኸ ኽንደይ ዓብዪ እዩ!” ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኣልቅሰሉ፤ ንኣኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትንውን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ደርብየን።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ብምስላ ኽምስሉልኩም ብፅኑዕ መልቀስውን ከልቅሱልኩም እዮም፤ “ንሳቶምውን ፈፂምና ጠፊእና ኢና፤ ነቲ ግደ ህዝበይ ይሰፍር፤ ንእኡ ዝኽልክል የለን፤ ነቲ ገራሁና ንኸዳዕተኛታት ይዕድል” ይብሉ።
ንሱ ድማ ኽዳውንቱ ደርቢዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ ጥራሑ ኾይኑ ኸዓ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ወዲቑ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዮም “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ይበሃሃሉ ዝነበሩ።