7 እቲ ቕሩፅ ምስልታታ ክሰባበር እዩ። እቲ ዅሉ ዋጋ ምንዝርናኣውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፥ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክኾኑ እዮም እሞ፥ ኣነ ንዅላቶም ጣዖታታ ኽሰባብሮም እየ።”
እዝ ዅሉ ምስ ተፈፀመ፥ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ኸዱ እሞ፥ ነቲ ኣዕምዲ ጣዖት ሰባበርዎ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዘሎ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፈራረስዎ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፥ ናብ ከተማታቶም ተመለሱ።
ኵሎም ጣዖታትውን፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
እተን ሰብዓ ዓመታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ክምልከታ እዩ፤ ንሳ ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ንግዳ ኽትምለስ እያ። ምስ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለም ድማ፥ ክተመንዝር እያ።
እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።
መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዓኑን፥ ጣዖታትኩም ከዓ ኽስበርን ክጠፍእን፥ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽቝረፅ፥ ስራሕኹምውን ምእንቲ ኽድምሰስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ኹሉ እትነብሩሉ፥ እተን ከተማታት ክዓንዋ እየን፤ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ኽፈርስ እዩ።
ንሳ ነቲ “ፈተውተይ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዙይ እዩ” ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከባድሞ፥ ዱር ከዓ ኽገብሮ እየ፤ ኣራዊት በረኻውን ክበልዕዎ እዮም።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ።
እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።
“ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ?
እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዕፃ ኣውደቑ፤ ንኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ዋጋኣ ተባዕታይ ቈልዓ ሃቡ፤ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ፤ ሰተዩውን።
ናይ ኰረብታ መስገዲኹም ከፍርሶ እየ፤ ናይ ፀሓይ ኣዕምድኹም ክሰብር እየ፤ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ህይወት ዘይብሎም ዝወደቑ ጣዖታትኩም ክድርብዮ እየ፤ ኣነ ኸዓ ኽፅየፈኩም እየ።
ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፋት እዮም እሞ፥ መብፅዓኹም ዓስቢ ኣመንዝራ ሰበይትን ዋጋ ኸልብን ከም መብፅዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተእትዉ።
ነቲ ዝሰራሕኹምዎ ግብሪ ሓጢኣትኩም ዝኾነ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣቃፀልክዎ። ሽዑ ቐጥቂጠ ኸም በነንታ ኽሳዕ ዝኸውን ጠሓንክዎ፤ ነቲ በነንታውን ናብቲ ኻብ እምባ ዝወርድ ሩባ በተንክዎ።
ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።
“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ድማ፥ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ረኸብዎ፤ ርእሲ ዳጎንን ክልቲአን ግናዕ ኣእዳዉን ከዓ ተቘሪፀን ኣብ ድርኵዂት ወዲቐን ነበራ፤ እቲ ማእኸላይ ኣካሉ ጥራሕ ተሪፉ ነበረ።