6 ስለዙይ “ንሰማርያ ኸም ኣብ ሜዳ ዘሎ ኹምራ እምንን፥ ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጥሮ ኽውርውሮ፥ ንመሰረታ ኸዓ ኽቐልዖ እየ።
ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣተወ ድማ ሽዑ ዅሉ እስራኤል ናብታ ኸተማ ገመድ የምፅእ፤ ንእሽተይ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ናብ ውሽጢ ሩባ ኽንስሕባ ኢና።
ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከዓ ሰማርያ ተትሓዘት። እዙይ ዝኾነ ሕዝቅያስ ካብ ዝነግስ ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ካብ ዝነግስ ከዓ ኣብ ታሽዓይ ዓመቱ እዩ።
ንጉስ ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ድማ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፥ ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ንኸተማ ሰማርያ ኸበባ።
ነዙይ ካብ ጥንቲ ኣነ ኸም ዝገበርክዎ፤ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ኣነ ኸም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕኻን ኢኻ? ሕዚ ድማ ንዕሩዳት ከተማታት፥ ኵምራ ዑናታት ጌርካ ኽተባድመን ገበርኩኻ።
ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ።
ነቲ ዝተዓረደን ልዕል ንዝበለ ፅኑዕ ቅፅርኻን ትሕት ከብሎን፥ ከዋርዶን እዩ፤ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኽድርብዮ እዩ።
ነታ ኸተማ፥ ኩምራ እምኒ ገበርካያ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኣፈራረስካያ፤ እታ ኣዳራሽ ጓኖት፥ ደጊም ከተማ ኣይትኸውንን፤ ንዘለኣለም ከዓ መሊሳ ኣይትስራሕን እያ።
መሊስኪ ኣብ እምባታት ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሊ ኢኺ። እቶም ተኸልቲ ኽተኽልዎ እዮም፤ ብፍረኡውን ደስ ክብሎም እዩ።
ኣታ ንዅላ ምድሪ እተጥፍእ መጥፍኢ እምባ ናባኻ እየ፤ ኢደይ ዘርጊሐ ኻብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ፥ ዝተቓፀለ እምባውን ክገብረካ እየ።
ባቢሎን ድማ ዅምራ እምንን ሰፈር ወኻሩን፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ መሰክሕን መላገፅን ክትከውን እያ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።
ኣሌፍ። እቲ ወርቂ ኸመይ ኢሉ ሃሰሰ? እቲ ፅሩይ ወርቂኸ ኸመይ ኢሉ ተለወጠ? ዝኸበሩ ኣእማን ቤተ መቕደስ፥ ፈቐዶ ወሰን መንገዲ ተበታቲኖም።
ነቲ ብዘይ ሓሰር ብጭቃ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን፥ ናብ ምድሪ ኽድርብዮን እየ፤ መሰረቱውን ጋሕ ክብል እዩ፤ ንሱ ኽወድቕ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
ሰብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ኣምላኾም ዓሚፆም እዮም እሞ፥ በደሎም ክስከሙ እዮም። ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ህፃናቶም ክጭፍለቑ፥ ጥኑሳት ኣንስቶም ድማ ኸብደን ክቕደዳ እየን።”
ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም።
ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
ስለዙይ ብሰንክኹም ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ፥ ኢየሩሳሌም ከዓ ዅምራ ኣእማን ክትከውን፥ ኰረብታ እታ ቤትውን ኰረብታ ዱር ክትከውን እያ።
ንምድሓን ህዝብኻን፥ ንምድሓን ቅቡእኻን ወፃእኻ፤ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕኻ፥ ርእሲ ቤት እቲ ሓጥእ ቀጥቀጥካ።
ንሱ ድማ መሊሱ “እዝ ዅሉ ትሪእዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።