1 ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ።
ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ሕዝቅያስ ወዲ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
ኣካዝ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይነበረን፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን።
ሕዝቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት።
ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን ኢዮኣታምን ብኣካዝን፥ ብዘመን ሕዝቅያስን፥ ወዲ ኣሞፅ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ዝረአዮ ራእይ።
እግዚኣብሄር ተናጊሩ እዩሞ፥ ኣቱም ሰማያት ስምዑ! ኣቲ ምድሪ እውን ፅን በሊ! ውሉድ ወለድኩን ኣዕበኹን፥ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ወዲ ወዱ ንኦዝያን ወዲ ኢዮኣታም ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ንጉስ ሶርያ ረኣሶንን ንጉስ እስራኤል ወዲ ሮሜልዩ ፋቁሔን ንኢየሩሳሌም ክወግኡ ወፁ፤ ግና ኸሸንፍዋ ኣይከኣሉን።
ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ብነገስታት ይሁዳ ብዖዝያንን፥ ብዘመን ኢዮኣታምን ብኣካዝን ብሕዝቅያስን፥ ከምኡውን ብዘመን ንጉስ እስራኤል ብወዲ ኢዮኣስ ኢዮርብዓምን፥ ናብ ወዲ ብኤሪ ሆሴዕ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ።
“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”
እዝ ቓል እዙይ፥ ኣሞፅ፥ ሓደ ኻብቶም ጓሶት ቴቁሔ ዝነበረ፥ ብዘመን ኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ብዘመን ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤልን፥ ክልተ ዓመት ቅድሚ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ቓል እዙይ እዩ።
እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም!
እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን?
ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።
ነቢይ እንባቆም ዝረኣዮ ፆር እዙይ እዩ።
ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።