4 “ነቲ ንዅሎም እስራኤል፥ ሕግጋትን ስርዓትን ክኸውን ኢለ፥ ንባርያይ ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዝኣዘዝክዎ ሕጊ ዘክርዎ።
እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅድቁ ኢሉ፥ ንሕጉ ዝዓበየን ዝኸበረን ክገብሮ ደለየ፤
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።
በታ ኣብ ኮሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቖምኩምላ መዓልቲ፥ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ንኣይ ምፍራሕ ምእንቲ ኽመሃሩን ንደቆም ድማ ምእንቲ ኽምህርዎምን፥ ቃለይ ክሰምዑ ናባይ ኣክቦም’ ኢሉ እግዚኣብሄር ተዛረበኒ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ኮሬብ ምሳና ኺዳን ኣተወ።
ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ረሲዕኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ተኸቲልኩምን እንተ ኣምሊኽኩምዎምን፥ እንተ ሰጊድኩምሎምን ብርግፅ ከም እትጠፍኡ፥ ሎሚ ኣሰምዐልኩም ኣለኹ።