3 በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ እቶም ኽፉኣት ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግርኹም ሓመድ ክኾኑ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ክትረግፅዎም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
ከም ዘይትስኡ ገይረ ፈፂመ ወዳእኹዎም፤ ተስዒሮም ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።
ከም ሓመድ ምድሪ ጠሓንኩዎም፤ ከም ጭቃ መንገዲ ረገፅኩዎም፤
እወ፥ ዕቡይ ንዝኾነ ትሕት፥ ትሕት ኣብሎ፤ ንኽፉኣት ሰባትውን ኣብ ቦታኦም እንተለዉ ርገፆም።
እግዚኣብሄር ንየዋሃን ልዕል የብሎም፤ ንሓጥኣን ግና ኽሳዕ ምድሪ የዋርዶም።
ከም ኣባጊዕ ናብ ሲኦል ዝኸዱ እዮም፤ ጓሳኦምውን ሞት እዩ። እቶም ቅኑዓት ንጉሆ ክገዝእዎም እዮም፤ ፅባቐኦምውን ካብ መንበሪኦም ተፈልያ፥ ኣብ ሲኦል ትበሊ።
ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።
ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።
እግሪ፥ ኣእጋር ድኻታትን፥ ስጕምቲ ፅጉማትን ክትረግፃ እያ።
ሳምኬት። “እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣብ ማእኸለይ ዝነበሩ ጀጋኖይ ደርበዮም፤ ነጕባዘይ ክጭፍልቕ፥ ሰራዊት ኣኽተተለይ፤ እግዚኣብሄር ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ፥ ብመፅመቚ ኸም ዝርገፅ ወይኒ ረገፃ።”
ብብዝሒ በደልካን፥ ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ንግድኻን፥ ንመቕደስካ ኣርከስካዮ፤ ስለዙይ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውፃእኹ፤ ንሳውን በልዐትካ፤ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዝሪኡኻ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ።
እቶም ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ቅዱሳን ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽቕበልዋ እዮም፤ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም።
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ።
ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።
ኣብ ጊዜ ውግእ ንፀላእቶም ኣብ መንገዲ ንዘሎ ጭቃ ኸም ዝረጋግፁ ሓያላት ክኾኑ እዮም፤ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለ ዝኾነ ኸዓ ኽዋግኡ እዮም፤ እቶም ፈረሰኛታትውን ከዋርዱ እዮም።
“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ።
ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
እቲ ወይኒ ድማ፥ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መፅመቝ ተረገፀ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ፥ ካብቲ መፅመቝ ወፂኡ፥ ክሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር ድማ ወሓዘ።