2 ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።
ንሱ ኸምቲ ናይ ንግሆ ብርሃን ከም ኣወፃፅዓ ፀሓይ፥ ከምቲ ብድሕሪ ዝናም ዘንፀባርቕ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ሳዕሪ ኸም ዘብቍል፥ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኸም ዝረአ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
ንዅሉ ሓጢኣትኪ ይቕረ ዝብለልኪ፥ ንዅሉ ሕማምኪ ዝፍውስ፥
ነቶም ልቦም ዝቘሰለውን ይፍውሶም፤ ንቝስሎምውን ይፅግን።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብፅዓይ ሰሚዕኻ ኢኻሞ፤ ስምካ ንዝፈርሑ ርስቲ ሃብካዮም።
እግዚኣብሄር ይምሓረና ይባርኸናውን፤ ገፁውን ኣብ ልዕሌና የብርህ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
ግና ኽብሪ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኽሓድር እዩ፤ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ።
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።
ሽዑ ሓንካስ ከም መይዳቝ ክዘልል፥ ኣንደበት በሃም ከዓ ኽዝምር እዩ፤ ማያት ኣብ በረኻ፥ ወሓይዝ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ።
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።
እቲ ኣብ ፀልማት ዝመላለስ ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ምድሪ ፅላሎት ሞት ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻሞ ፈውሰኒ፥ ክፍወስ እየ፤ ኣድሕነኒ ኣነውን ክድሕን እየ።
እታ ሓደኳ ዘይግደሰላ ድርብይቲ ፅዮን ኢሎም ሰምዮምኺ እዮምሞ፥ ኣነ ንኸጥዕየኪ፥ ንቝስልኺውን ከሕውዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ይኹን እምበር ፈውስን መድሓኒትን ከምፅአላ እየ፤ ክፍውሶምውን እየ፤ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ኽገልፀሎም እየ።
ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”
“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”
በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
ዕዉራት ይሪኡ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምፃማት ይነፅሁ፤ ፀማማት ይሰምዑ፤ ምዉታን ይትስኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሰሩ ኣለዉ።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጨቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም፥ ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርሕዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
በቲ ርህራሀን ምሕረትን ኣምላኽና፥ ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበፅሐና እዩ።
ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት።
ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መፀ እምበር፥ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።
ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።
ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።
እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ፥ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፥ ንኣህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ።”
ንኣይ ብምእማን ከዓ ስርየት ሓጢኣት ክረኽቡ፥ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ፥ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ’ በለኒ።”
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
መሊሰ፥ ብኡኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝኾነ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እፅሕፈልኩም ኣለኹ፤ ፀልማት ሓሊፉ፥ ድሮ እኳ ብርሃን ሓቂ የብርህ ኣሎ።
ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።
ኮኸብ ፅባሕውን ክህቦ እየ።
“ኣነ ኢየሱስ፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስክረልኩም ኢለ፥ መልኣኸይ ለኣኽኩ። ኣነ፥ ካብ ሱር ዳዊትን፥ ዘርኡን ዝኾንኩ እየ፤ እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ” በለ።
ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።
ነቲ ዝገበርክዮ ፅቡቕ ተግባር እግዚኣብሄር ዋጋኺ ይኽፈልኪ፤ ዓስብኺ ኸዓ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትፅግዒ ኢልኪ መፂእኽዮ ዘለኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ይኹን” በላ።