3 ንቕልፅምኩም ክግስፆ እየ፤ ነቲ ፋንዲያ መስዋእትኹም፥ ኣብ ገፅኩም ክብትኖ እየ፤ ምስኡውን ክትውገዱ ኢኹም።
“ስለዙይ እንሆ፥ ንቤት ኢዮርብዓም ክፉእ ከምፅአላ እየ፤ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኮነ ፍቱሕ ኵሉ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ። ድዅዒ ኽሳዕ ዝጠፍእ ከም ዝዅስተር ገይረ ኸዓ ንገዛኻ፥ ፈፂማ ኽሳዕ እትጠፍእ ክዅስትራ እየ።
ከም ፋንድያ ንሓዋሩ ይጠፍእ፤ እቶም ዝረአይዎ ‘ኣበይ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
ኣምላኽ ብዕልልታ፥ እግዚኣብሄር ብድምፂ መለኸት ዓረገ።
ንሳቶም ኣብ እንዶር ጠፍኡ፤ ከም ጐሓፍ ምድሪ እውን ኮኑ።
ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ፥ ካብቲ ሰፈር ኣውፂእኻ ብሓዊ ኣቃፅሎ።
ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን።
እቲ እኽሊ ጠፊኡ፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ እውን ነቒፁ፥ ዘይትውን ጐዲሉ እዩ እሞ፥ እቲ ገራሁ ባዲሙ፥ ምድሪ እውን ትበኪ ኣላ።
እቲ ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ምድሪ በስበሰ፤ እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ ቖፎታት ጥራሖም ኮኑ፤ ማዕከናትውን ፈረሱ።
ኣነ ድማ ኸምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ሽብርን ዘመንምንን ነዒንቲ ዘሕምቕን ንሰብነት ዘድክም ረስንን ክሰደልኩም እየ። ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ፤ ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ።
ርኽሰት ኣብ ልዕሌኺ ኽድርቢ እየ፤ ክንዕቐኪ እየ፤ መላገፂውን ክገብረኪ እየ።
ስለዙይ ብመንገደይ ስለዘይከድኩምን፥ ብሕገይውን ኣድልዎ ስለዝገበርኩምን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኽትነዓቑን ክትዋረዱን ገይረኩም እየ።
ንመሬት ኾነ ንድዅዒ ስለ ዘይጠቅም፥ ናብ ደገ ይድርብይዎ፤” ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!
ስምና ንዘኽፍኡ፥ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣለና። ክሳዕ ሕዚ ኸም ናይ ዓለም ጐሓፍን፥ ከም ናይ ዅሉ ነገር ጐድፍን ኴንና ኣለና።
“ኣብ ግራትኩም ብዙሕ ዘርኢ ኽትዘርኡ ኢኹም፤ ግና ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ውሑድ ክትእክቡ ኢኹም።