1 ሕዚ እውን ኣቱም ካህናት፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ንኣኻትኩም ዝተውሃበ እዩ።
ሽዑ ንስኻ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ምለሰሎም፦ “እንሆ፥ ንዅሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ካህናትን ነቢያትን፥ ንዅሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ፥ ብስኽራን ክመልኦም እየ።
ሜም። እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ብምኽንያት ሓጢኣት ነቢያታን፥ ብሰንኪ ኻህናታን፥ ንሳቶም ኣብ ውሽጣ፥ ደም ንፁሃት ፃድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዩ።
“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።
ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።”
ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም።
ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።