8 ማእዲ እግዚኣብሄር ዝተንዓቐ እዩ ብምባልኩም እዩ። ዕዉር፥ ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ምቕራብ ክፉእዶ ኣይኮነን? ዝሓንከሰን ዝሓመመን እንትተቕርቡ፥ እዙይ ክፉእዶ ኣይኮነን? እስኪ እዙይ ንመራሒኻ ኣቕርበሉ፤ ይሕጐሰልካዶ? ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚኡዶ ሞገስ ክትረክብ ኢኻ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሕዚ ኸዓ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዝኩም ናብ ኢዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ኽንዲ ርእስኹም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኢዮብ ባርያይውን ክፅልየልኩም እዩ፤ ንእኡ ኽቕበሎ እየ። ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ።”
ንዅሉ ቝርባንካ ይሕሰበልካ፤ ንዝቃፀል መስዋእትኻ ድማ የለምልመልካ።
እግዚኣብሄር፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ካባይ ክርሕቑ ይፈትዉ፤ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዙይ ኣነ ኣይፈተኹሎምን። ንበደሎም ክዝክሮ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከዓ ኽቐፅዖም እየ” ይብል ኣሎ።
መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።
ዳርዮስ፥ ኣብ ሜዶን ምስ ነገሰ ኣብ ካልአይቲ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ነቢይ ሓጌ ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ናብ ኢያሱ ወዲ ኢዮሴዴቅ ሊቀ ካህናትን መፀ።
“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጀራ ተቕርቡ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ‘ዘርከስናካ ብኸመይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።
ግና እቲ እንስሳ ሓደ ጐደሎ እንተልይዎ፥ ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ኾነ፥ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ኢንታ እንተልይዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ።