7 “ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጀራ ተቕርቡ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ‘ዘርከስናካ ብኸመይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።
እቲ መሰውኢ ድማ ኻብ ሉሕ እተሰርሐ፥ ቁመቱ ሰለስተ እመት፥ ንውሓቱ ኸዓ ኽልተ እመት ነበረ፤ መኣዝኑን ግድግዳኡን ከዓ ሉሕ ነበረ፤ ንሱውን “እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ ማእዲ እያ” በለኒ።
ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፥ ከገልግሉንስ ናብ ማእደይ ክቐርቡ፥ ንኣገልግሎተይውን ክመርፁ እዮም።
ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ዝበዅዐ ኣይኹን። ዝበዅዐ ኾነ ወይ መዓር ብሓዊ ኣቃፂልካ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣይተቕርብ።
ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን ይኹኑ፤ ስም ኣምላኾም እውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ነቲ ምግቢ ንኣምላኾም ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእትን ቍርባንን ዘቕርቡ እዮም እሞ፥ ቅዱሳን ይኹኑ።
ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።
እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።
ንስኻትኩም ግና ‘ማእዲ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ’ ፍረኡን ምግቡን፥ ዝተንዓቐ እዩ፤ ብምባል ተቃልሉ ኣለኹም።
መሊስኩም፥ እዙይ ድኻም እዩ ብምባል ፂቕ በልኩምሉ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ከቲርኩም ንዝሓዝኩምዎ፥ ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ፥ መስዋእቲ ጌርኩም እንትተቕርቡ፥ ካብ ኢድኩም ክቕበል ድየ? ይብል እግዚኣብሄር።
ማእዲ እግዚኣብሄር ዝተንዓቐ እዩ ብምባልኩም እዩ። ዕዉር፥ ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ምቕራብ ክፉእዶ ኣይኮነን? ዝሓንከሰን ዝሓመመን እንትተቕርቡ፥ እዙይ ክፉእዶ ኣይኮነን? እስኪ እዙይ ንመራሒኻ ኣቕርበሉ፤ ይሕጐሰልካዶ? ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚኡዶ ሞገስ ክትረክብ ኢኻ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ፅዋዕ እግዚኣብሄርን፥ ፅዋዕ ኣጋንንትን ክትሰትዩ፥ ካብ ማእዲ እግዚኣብሄርን፥ ማእዲ ኣጋንንትን ክትሳተፉ ኣይትኽእሉን።
ግና እቲ እንስሳ ሓደ ጐደሎ እንተልይዎ፥ ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ኾነ፥ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ኢንታ እንተልይዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ።