4 ኤዶማውያን “ንሕና ፈሪስና ኢና፤ ግና ነቲ ዝፈረሰ መሊስና ኽንሓንፆ ኢና” እንተ በሉ እኳ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንሳቶም ይሰርሑ፥ ኣነ ግና ኸፍርሶ እየ። ‘ብሰባትውን፥ ወሰን በደልን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዝተቘጥዖም ህዝብን’ ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም።”
እንሆ፥ ንሱ የፍርስ፥ መሊሱ ዝነድቕ ከዓ የለን፤ ንሱ ንሰብ ይዓፅዎ፤ ዝኸፍቶውን የለን።
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
ንሱ ልቡ ጥበበኛ፥ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?
እግዚኣብሄር ቤት እንተ ዘይሓነፀ፥ ሃነፅቲ ብኸንቱ ይደኽሙ። እግዚኣብሄር ከተማ እንተ ዘይሓልዩ፥ ሓላዊ ብኸንቱ ይተግህ።
ኦ ጐይታ፥ ብመዓልቲ ኢየሩሳሌም፥ ነቶም “ኣፍርስዋ፤ ካብ መሰረታ ኣፍርስዋ” ዝብሉ ደቂ ኤዶም ዘክሮም።
እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፤ ንሓሳባት ኣህዛብውን የፍርሶ።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።
ለይትን መዓልትን እንተይጠፍአ ኽነድድ እዩ። ትካ ንዘለኣለም ክተክኽ፥ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም፥ ንዘለኣለም ሓደ እኳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ።
ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።
ንዝመፅእ ጊዜ ተስፋ ኣለኪ፤ ደቅኺ ናብ ዓዶም ክምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ዝመኸሮ ምኽርን፥ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነበሩ ሰባት፥ ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ። ኣናእሽቱ መጓሰታቶምውን እንተይተረፈ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ብርግፅ ንሰፈሮም ዑና ኽገብሮ እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ?
ኣነ ንደቂ ኤሳው ዝቐፅዐሉ ጊዜ ስለ ዝበፅሐ፥ ጥፍኣት ከውርደሉ እየ እሞ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ ህዝቢ፥ ንድሕሪት ተመሊስኩም ህደሙ። ኣብ ዓሚቍውን ተሓብኡ።
ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፤ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፥ ሰብን እንስሳን ድማ ኻብኣ ኸጥፍእ እየ፤ ካብ ቴማን ጀሚረ ፀምፀም በረኻ ኽገብሮ እየ፤ ክሳዕ ዴዳን ከዓ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም ይብል ኣሎ።
ኣነ ኸዓ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፥ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ፤ ንሳቶም ንኤዶም ከም ቍጥዓይን መዓተይን ክገብርዋ እዮም፤ ምፍዳይ ሕነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ልሙፅ ኰዅሒ ኽገብረኪ እየ፤ መስጥሒ መርበብ ክትኮኒ ኢኺ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝተዛረብኩ እሞ፥ ከም ብሓድሽ ኣይትስርሕን ኢኺ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
“ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፤ ንስኻ ድማ ኽትባድም ኢኻ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጥ ኢኻ።”
ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፤ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ክኾና እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።
ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ከዕንወን እየ፤ እቶም ብስኒ ሓርማዝ ዘጌፁ ኣባይቲ ኸዓ ኽድምሰሱ እዮም፤ ዓበይቲ ኣባይቲውን ክፈርሱ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ።
ናብ ካልኔ ሕለፉን ጠምቱን፤ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ከተማ ሃማት ኪዱ፤ ቀፂልኩም ከዓ ናብ ጌት ከተማ ፍልስጥኤማውያን ውረዱ። ንሳተን ካብዘን መንግስታት እዚኣተን ይሐሻ ዲየን? ወይ ወሰናተን ካብ ወሰናታትኩምዶ ይሰፍሕ እዩ?
ኣብድዩ ዝረኣዮ ራእይ። ጐይታ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ ካብ እግዚኣብሄር ወረ ሰሚዕና ኢና፤ እቲ ልኡኽውን ናብ ኣህዛብ ተልኢኹ፥ “ተስኡ፥ ኣብ ልዕሊኣ ብሰልፊ ንለዓል፥ ኢሉ እዩ።”
ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ ስለ ዝተገብረ ግፍዒ፥ ሓፍረት ክትጕልበብ ኢኻ፤ ንዘለኣለምውን ክትጠፍእ ኢኻ።
ንኤሳው ግና ፀላእኹ። ንእምባታቱ ኣባደምክዎ፤ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረ በዳ ሃብክዎ።”
እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተፃራርየይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከዓ ይብትን።