Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሚልክያስ 1:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 “ኣነ ፈትየኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ፈተኻና? ትብሉ ኣለኹም። “ኤሳው ሓው ያእቆብዶ ኣይነበረን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንያእቆብ ፈተኹ፤

Ver Capítulo Copiar




ሚልክያስ 1:2
32 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ፥ “ኣብ ማህፀንኪ ኽልተ ወገን ኣለዉ፤ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ክኽፈሉ እዮም፤ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ሓደ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ፤ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ።


እቲ ቕድም ዝተወልደ ቐይሕ፥ ኵለንትናኡ ኸዓ ፀጓር ነበረ። ስለዙይ ስሙ ኤሳው ኢሎም ሰመይዎ።


ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።


ሽዑ ይስሓቅ የመና ደንገፀ እሞ፥ “እቲ ሃዲኑ ዝብላዕ ዘምፅአለይ፥ ኣነ ኸዓ ገና ንስኻ እንተይመፃእኻ፥ በሊዐ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ? ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ” በለ።


‘እንሆ፥ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሐካን፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ኽገብረካን እየ፤ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ።’


እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።


ኣስዒቡ ኸዓ “በየናይ መንገዲ ኢናኸ እንድይብ?” ኢሉ ጠየቖ። ንጉስ እስራኤል ኢዮራም ድማ “ብመንገዲ ምድረ በዳ ኤዶምያስ” ኢሉ መለሰሉ።


“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።


እዝ ካብታ ኣብ ኤዶምያስ ዘላ ኸተማ ባሶራ፥ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፥ ብኽዳውንቲ ዘጌፀ፥ ምስ ምሉእ ሓይሉን ጕልበቱን እናሰጐመ ዝመፅእ ዘሎ፥ እዙይ መን እዩ? “እቲ ብፅድቂ ዝዛረብ፥ ንምድሓን ምሉእ ስልጣን ዘለኒ ኣነ እየ።”


ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል?


“ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፥ ከንቱ ንዝኾኑ ዝተኸተሉ፥ ንርእሶምውን ከንቱ ኾይኖም ዝተረፉ፥ እንታይ ጥፍኣት ረኺቦሙለይ እዮም?” ይብል እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተገለፀለይ፤ ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።


ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።


ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥ “ብፃየይከ መን እዩ?” በሎ።


ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።


ምስ እዝ ዅሉ ግና እግዚኣብሄር ስለ ኣቦታትኩም ደስ ኢሉዎ እዩ፤ ንኣኣቶምውን ፈትዩ መረፆም። ብድሕሪኦም ድማ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ከምዝ ሎሚ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ሓረየኩም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር።


እወ፥ ንስኻ ንህዝብታት ተፍቅሮም፤ ኵሎም ቅዱሳንካ ኣብ ኢድካ እዮም፤ ኣብ እግርኻ ይሰግዱ፤ ትእዛዛትካ ድማ ይቕበሉ።


ነቦታትኩም ስለ ዝፈተዎም ድማ ብድሕሪኦም ንኣኻትኩም ሓረየኩም፤ ባዕሉ ኸዓ ብዓብዪ ሓይሉ ኻብ ግብፂ ኣውፅአኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos