9 ሄሮድስ ግና “ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ፤ እዝ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘለኹ ደኣ መን እዩ?” በለ፤ ክሪኦውን ይደሊ ነበረ።
ናብ ሄሮድስ ሰዲደዮ ነይረ፤ ሄሮድስ ድማ፥ ናባና መሊሱ ሰዲድዎ። እንሆ ናብ ሞት ዘብፅሕ፥ ሓደ ነገር እኳ ኣይገበረን።
ሄሮድስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ይሰምዕ ነበረ፤ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩውን ክሪኦ ይደሊ ነበረ፤ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይምነ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ የመና ተሓጐሰ።