8 ገሊኣቶም ድማ “ኤልያስ ተርእዩ” ገሊኣቶምውን “ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ነቢያት ተሲኡ እዩ” ይብሉ ነበሩ።
ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ገሊኣቶም ‘ኤልያስ’ ገሊኣቶም ‘ኤርሚያስ’ ወይ ‘ሓደ ኻብ ቀዳሞት ነቢያት እዩ’ ዝብሉኻ ኣለዉ” በልዎ።
ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ንምንታይ ደኣ፥ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ካልኦት ግና “ኤልያስ እዩ” በሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ “ነቢይ እዩ፤ ወይ ድማ ሓደ ኻብቶም ነቢያት እዩ” በሉ።
ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ካልኦት ድማ ‘ኤልያስ’ ካልኦትውን ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ይብሉኻ” በልዎ።
ንሳቶም ከዓ “መጥምቕ ዮሃንስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ኤልያስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ካብቶም ቀዳሞት ነቢያት ሓደ፥ ተሲኡ እዩ ዝብሉውን ኣለዉ” ኢሎም መለሱሉ።
ንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኢኻ? ኤልያስ ዲኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” በለ። “እቲ ነቢይ ዲኻ?” ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” ኢሉ መለሰሎም።