7 ንጉስ ሄሮድስ፥ ብዛዕባ እቲ ብኢየሱስ ዝተገብረ ኵሉ ነገር ሰሚዑ ተደናገፀ። ምኽንያቱ ገሊኣቶም ሰባት “ዮሃንስ ካብ ሞት ተሲኡ” ይብሉ ነበሩ፤
ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።
ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ራእይ ፍርሕን ስዕረትን ዕግርግርን ኮይኑ ኣሎ። ቅፅሪና ይፈርስ ኣሎ፤ ክሳዕ እምባታት ዝበፅሕ ኣውያት ከዓ ይስማዕ ኣሎ።
እቲ ኻብኣቶም ዝሐሸ ዝተብሃለ፥ ንሱ ኸም ኣሜክላ እዩ፤ እቲ የመና ዝቐንዐ ኸዓ፥ ከም ኳዂቶ እዩ። እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፥ እታ መዓልቲ መዓትካ መፂኣ እያ፤ ሕዚ ኽሽበሩ እዮም።
እንሆ ድማ ዮሃንስ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፥ ብዛዕባ ተግባር ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፥
ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ካልኦት ድማ ‘ኤልያስ’ ካልኦትውን ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ይብሉኻ” በልዎ።
በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ወፂእኻ ኺድ” በልዎ።
“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም።
ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፥ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፤ ንሱ በታ ቕነ እቲኣ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበረሞ።
ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥ ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥ ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ፥
ንሳቶም ከዓ “መጥምቕ ዮሃንስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ኤልያስ እዩ ዝብሉኻ ኣለዉ፤ ካብቶም ቀዳሞት ነቢያት ሓደ፥ ተሲኡ እዩ ዝብሉውን ኣለዉ” ኢሎም መለሱሉ።