6 ንሳቶም ድማ ወፂኦም፥ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እናዞሩ ወንጌል ይሰብኩ፥ ኣብ ኵሉውን ሕሙማት የሕውዩ ነበሩ።
ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ወፂኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፤ ጐይታ ኸዓ ምስኣቶም ይሰርሕ ነበረ፤ ነቲ ቓሉውን በቲ ዝግበር ተኣምራት የፅንዖ ነበረ። ኣሜን።]
ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናሰበኸን እናብሰረን፥ በብኸተማታትን በብዓድታትን ይዘዋወር ነበረ። እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱውን ምስኡ ነበሩ።
ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ሕሙማት ክሓውዩ፥ ምልክትን ተኣምራትን ክፍፀም፥ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም፥
ጴጥሮስ ክሓልፍ እንተሎ፥ ፅላሎቱ ንኽዓርፎም፥ ነቶም ሕሙማት ብዓራታትን ብቓሬዛታትን ፆይሮም የምፅእዎም እሞ፥ ኣብቲ ኣደባባይ የንብርዎም ነበሩ።