51 ኢየሱስ ዝዓርገሉ መዓልቲ ምስ ቀረበ፥ መንገዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣምርሐ።
እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።
ጐይታና ኢየሱስ ነዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ናብ ሰማይ ዓረገ፤ ኣብ የማን እግዚኣብሄርውን ተቐመጠ።
ግና ዝጥመቖ ጥምቀት ኣለኒ፤ ክሳዕ እትፍፀም ድማ ኸመይ ዘይጭነቕ?
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናመሃረ ይሓልፍ ነበረ።
ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ብማእኸል ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ።
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ።
ንሳቶም እዙይ ክሰምዑ እንተለዉ ድማ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ሽዑ እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ወሲኹ ብምስላ ተዛረበ።
ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ቀቅድሚኣቶም ከደ።
ክባርኾም እንተሎ ኸዓ፥ ካብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
ኣብ መንገዲ እናኸዱ እንተለዉ ሓደ ሰብኣይ “መምህር፥ ናብ ዝኸድካዮ ክኽተለካ እየ” በሎ።
ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ፥ ካብዝ ዓለም እዙይ፥ ናብ ኣብ፥ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበፅሐት ፈሊጡ፥ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።”
“ሕዚ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ፥ ናብ ኣብ፥ እኸይድ ኣለኹ፤ ካባኻትኩም ሓደኳ ‘ናበይ ኢኻ ትኸይድ?’ ኢሉ ዝጥይቐኒ የለን።
ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ ሓልዎም።
ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም?
እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።
እቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስአሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ሓይሉ እዩ።
ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣቢለ፥ ናብቲ ዓስቢ ኣሸናፊነት፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ፥ ናይ እግዚኣብሄር መፀዋዕታ እጐዪ ኣለኹ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
ኢየሱስ ድማ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኮይኑ፥ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ እዩ።
ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።