4 ኣብታ ዝኣተኹምዋ ገዛ ተቐመጡ፤ ክሳዕ እትወፁ ኸዓ፥ ኣብኣ ፅንሑ።
ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ፥ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ከም ዝኾነ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ፥ ኣብኣ ፅንሑ።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ካብኡ ኽሳዕ እትወፁ፥ ኣብቲ ዝኣተኹምዎ ገዛ ተቐመጡ።
ከምዙይውን በሎም፦ “ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ኣይትሓዙ።
እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፥ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወፂእኹም፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።”
ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና።