3 ከምዙይውን በሎም፦ “ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ፥ እንጀራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ፤ ክልተ ኽዳውንቲ እውን ኣይትሓዙ።
ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ናብኡ ፀዊዑ፥ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፤ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ስልጣን ሃቦም።
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ ምግቢ፥ ህይወት ትዓቢ፤ ካብ ክዳንውን፥ ሰብነት እዩ ዝዓቢ፤ ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎ፥ ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ ፅባሕ ግና፥ ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይኸድነኩም?
ኣስዒቡ ድማ፦ “እቲ ብዘይ ሳንጣ፥ ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን” በልዎ።
ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።
ሌዊ ድማ ንኢየሱስ፥ ኣብ ገዛኡ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን፥ ካልኦት ሰባትን ምስኣቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ነበሩ።
ኣብታ ዝኣተኹምዋ ገዛ ተቐመጡ፤ ክሳዕ እትወፁ ኸዓ፥ ኣብኣ ፅንሑ።
ወታደር ኮይኑ ዘገልግል፥ ነቲ ኣዛዚኡ ምእንቲ ኸሐጕስ፥ ብናብራ እዝ ዓለም እዙይ ኣይጥለፍን።