2 መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብኩን፥ ሕሙማት ከሕውዩን ከዓ ለኣኾም።
ኢየሱስ ነዞም ዓሰርተ ኽልተ ለኣኾም። ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ናብተን ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኣ ቤት እስራኤል ደኣ እምበር፥ ናብ ምድሪ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፤ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ።
ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
ከምዙይውን በሎም፦ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፤ ንዅሉ ፍጥረት ከዓ፥ ወንጌል ስበኹ።
ንሳቶም ድማ ናብ ዓድታት ወፂኦም ኵሉ ኽንሳሕ ሰበኹ።
ድሕሪዙይ ጐይታ ኻልኦት ሰብዓን ክልተን መረፀ። በብኽልተ ገይሩ፥ ናብቲ ንሱ ክኸዶ ዘለዎ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
‘እቲ ኻብ ከተማኹም፥ ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ሓመድ እኳ፥ ንነግፈልኩም ኣለና። እንተ ኾነ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ፍለጡ’ በልዎም።
ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ‘መንግስቲ እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ እውን በልዎም።
“ሕግን ነቢያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ፤ ካብ ሽዑ ናብዙይ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ትብሰር ኣላ፤ ኵሉ ድማ ይዳፍአላ ኣሎ።
እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ሰሚዖም ሰዓብዎ፤ ንሱ ድማ ተቐበሎም፤ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን ነገሮም፤ ነቶም ክሓውዩ ደልዮም ዝመፁውን ኣሕወዮም።