12 ሽዑ ኽመሲ እንትብል፥ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ቀሪቦም፥ “ኣብዙይ ኣብ በረኻ ኢና ዘለና እሞ፥ እዞም ህዝቢ ኣብ ከባቢና ናብ ዘለዉ ኸተማታትን ቍሸታትን ከይዶም ክሓድሩ፥ ዝብላዕውን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣፋንዎም” በልዎ።
ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”
ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ እንተለኻ እፈልጠካ ነይረ።
ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ፥ ንበይኑ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ሰሚዖም ከካብ ዓዶም ተኣኪቦም ብእግሪ ተኸተልዎ።
ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም “ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣሰናብታ!” ኢሎም ለመንዎ።
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም፤ ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ፥ ብጥሙዮም ከፋንዎም ኣይደልን” በሎም።
እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ሰሚዖም ሰዓብዎ፤ ንሱ ድማ ተቐበሎም፤ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን ነገሮም፤ ነቶም ክሓውዩ ደልዮም ዝመፁውን ኣሕወዮም።
ኢየሱስ ከዓ “ንስኻትኩም ዝበልዕዎ ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕና ኼድና፥ ነዝ ዅሉ ህዝቢ ዝብላዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኮይኑ፥ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን፥ ኣይበዝሕን እዩ” በልዎ።
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እታ ጥብርያዶስ እትብሃል ባሕሪ ገሊላ ኸደ።
ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥