7 ገሊኡውን ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ምስኡ ዓብዩ ሓነቖ።
ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፅግእኹም ሕረሱ፤ ኣብ እሾዅ ኣይትዝርኡ።
እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።
ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾዅ ዓብዩ ሓነቖ።
ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ፤ ፍረውን ኣይሃበን።
“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!
እቲ ኣብ እሾዅ ዝወደቐ ኸዓ፥ እቶም ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ናይ ዓለም ሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ዝሓንቆምሞ፥ ኣብ ፍረ ዘይበፅሑ እዮም።
ገሊኡ ኸዓ፥ ኣብ ኰዅሒ ወደቐ፤ ምስ በቘለ ድማ፥ ራሕሲ ስለ ዘይነበሮ ነቐፀ።
ካልእ ኸዓ፥ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ በቘለ፤ ሚእቲ ዕፅፊ ድማ ፈረየ።” እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!” በሎም።