42 ንሱ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሓንቲ ጓል ጥራሕ ነበረቶ፤ ንሳውን ክትመውት ቀሪባ ነበረት። ኢየሱስ ምስኡ ክኸይድ እንተሎ እቶም ህዝቢ ይዳፋፍእዎ ነበሩ።
ኣብ መንጎ ጊሓትን ምሸትን ይሰባበሩ፤ ማንም እንተይሓሰቦ ንዘለኣለም ይጠፍኡ።
ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል?
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ድልየት ኣዒንትኻ ብመቕሰፍቲ ኽምንጥለልካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፤ ኣይትብከ፤ ኣይትንባዕውን።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ በታ ንሓይሎም ንሓጐስ ክብረቶም ንተድላ ኣዒንቶም ንናፍቖት ልቦምን ንኣወዳትን ንኣዋልድን ደቆም ካብኣቶም ዝወስደላ መዓልቲ፥
“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።
ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙሕ ህዝቢ እውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፋእ ነበረ።
ናብ በሪ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ፥ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ፥ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ።
እንሆ ድማ ኢያኢሮስ ዝስሙ ሰብ መፀ፤ ንሱውን መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ፤ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወዲቑ ድማ፥ ናብ ገዛኡ ኽኣቱ ለመኖ።
ካብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ድማ መፀት፤ ንሳ ዅሉ ገንዘባ ንሓኻይም ሂባ ወድአት፤ እንተ ኾነ ሓደ እኳ ኸሕውያ ኣይከኣለን።
ኢየሱስ ከዓ፥ “መን እዩ ዝነኽአኒ?” በለ። ኵሎም “ኣይፈለጥናን” ምስ በሉ፥ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ፥ “መምህር፥ እዞም ህዝቢ ናባኻ ይደፋፍኡን ይፀቓቐጡን ኣለዉ፤ ንስኻ ድማ ‘መን እዩ ዝነኽአኒ’ ትብል?” በሎ።
ብሰንኪ ሓደ ሰብ፥ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መፀ፤ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተሓላለፈ።