Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 8:41 - መፅሓፍ ቅዱስ

41 እንሆ ድማ ኢያኢሮስ ዝስሙ ሰብ መፀ፤ ንሱውን መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ፤ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወዲቑ ድማ፥ ናብ ገዛኡ ኽኣቱ ለመኖ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 8:41
15 Referencias Cruzadas  

እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።


እናመስገኖ ኸዓ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ።


ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።


ንሱ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሓንቲ ጓል ጥራሕ ነበረቶ፤ ንሳውን ክትመውት ቀሪባ ነበረት። ኢየሱስ ምስኡ ክኸይድ እንተሎ እቶም ህዝቢ ይዳፋፍእዎ ነበሩ።


ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ሰብ ካብ እንዳ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በሎ።


ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ “ኦ ጐይታ፥ ኣብዙይ ኔርካ እንተ እትኸውንስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ።


ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።


እቶም ግሪካውያን ኵላቶም ንሶስቴንስ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሒዞም፥ ኣብ ቕድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ፤ እንተ ኾነ ጋልዮስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ኣይተገደሰሉን።


ቀርስጶስ ዝበሃል መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ፥ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙሓት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን፥ ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም፥ ኣመኑን ተጠመቑን።


ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ፥ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፥ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመፆም ለመንዎ።


ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos