11 “ናይዝ ምስላ እዙይ ትርጕም ከዓ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዘርኢ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ናብ ሕጉን ናብ ምስክርነት ቃሉን ኪዱ፤ ንሳቶም ከምዙይ ዝበለ ቓል እንተ ዘይተዛሪቦም ብርሃን ወጋሕታ ኣይበርሀሎምን።
“እምበኣር ንስኻትኩም ናይቲ ዘራኢ ምስላ ስምዑ።
ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነዝ ምስላ እዙይዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም? ከመይ ጌርኩም ደኣ፥ ንዅሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም?
እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ፥ ምስላ ናይቶም ቃሉ ዝሰምዑ እዩ፤ ኣሚኖም ምእንቲ ኸይድሕኑ ኢሉ፥ ሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።
ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን፥ ነቲ በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕን ዝኽእል፥ ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ፥ ብቕንዕና ተቐበልዎ።