8 ኣነውን ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይውን ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ‘ኪድ’ እብሎ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ‘ነዓ’ እብሎ ይመፅእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ‘ከምዙይ ግበር’ እንተ በልክዎ፥ ይገብር” በሎ።
ስለዙይ ድማ እየ፥ ናባኻ ንምምፃእ፥ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈፀርኩ። ግና ሓንቲ ቓል ተዛረብ ሓሽከረይ ክሓዊ እዩ።
ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ ኸዓ “ከምዙይ ዝበለ እምነት፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ጳውሎስ ድማ፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ፀዊዑ፥ “እዝ ወዲ እዙይ፥ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ናብኡ ውሰዶ” በሎ።
ብድሕሪኡ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ፀዊዑ፥ “ንቂሳርያ ዝኸዱ ኽልተ ሚእቲ ወታደራት፥ ሰብዓ ፈረሰኛታት፥ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት፥ ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ።
“ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን።
እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም፥ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ።
ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፥ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን፥ ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ።
እንተ ኾነ ብዛዕባኡ፥ ናብ ጐይታይ ዝፅሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝፅሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ፥ ናባኻትኩም፥ ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።
ኣቱም መገልገልትውን፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ፥ ንገፅ ረአ፥ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ፥ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኹም፥ ብዅሉ ተኣዘዝዎም።