6 ኢየሱስ ከዓ ምስኣቶም ከደ፤ ናብ ገዛኡ ምስ ቀረበ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕርኽቱ ልኢኹ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ጐይታ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን እዩ እሞ ኣይትድከም።
እዝ ዅሉ ንኣይ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ዘይግብአኒ እዩ። ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ሓንቲ በትሪ ሒዘ እየ ዝተሳገርክዋ። ሕዚ ግና ኽልተ ኽፋል ሰራዊት ኮይነ ኣለኹ።
ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፤ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ግና፥ ክብረት ይረክብ።
ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ።
ኢየሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፤ ብዙሕ ህዝቢ እውን ሰዓቦ፤ ኣብ ዙርያኡውን ይደፋፋእ ነበረ።
ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።
ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፤ ቤተ ፀሎትና ዝሰርሐልናውን ንሱ እዩ እሞ፥ እዙይ ክትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣበርቲዖም ለመንዎ።
ስለዙይ ድማ እየ፥ ናባኻ ንምምፃእ፥ ንርእሰይ ብቑዕ ገይረ ዘይቈፀርኩ። ግና ሓንቲ ቓል ተዛረብ ሓሽከረይ ክሓዊ እዩ።
ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሓደ ሰብ ካብ እንዳ እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ መፂኡ “ጓልካ ሞይታ እያ፤ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።
“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።