Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 7:44 - መፅሓፍ ቅዱስ

44 ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 7:44
11 Referencias Cruzadas  

ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ።


ሽዑ “ኣቱም ጐይቶተይ፥ በይዛኻትኩም ናብ ገዛይ ናብ ገዛ ባርያኹም ኣግልሱ፤ ኣእጋርኩም ድማ ተሓፀቡ፤ ሕደሩውን፥ ፅባሕ ኣንጊህኹም ተሲእኹም ከዓ መንገድታትኩም ትኸዱ” በሎም። ንሳቶም ግና “ኣይፋልናን፤ ኣብ ኣደባባይ ኢና እንሓድር” ኢሎም መለሱሉ።


እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣእትዩ፥ ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ሃቦም፤ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን።


ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “እምበኣር ናብ ገዛኻ ውረድ፤ እግርኻውን ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ድማ ኻብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ከዓ ደድሕሪኡ ዝተመረፀ ምግቢ ኣስዓበሉ።


ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ኾይና፥ እናበኸየት በቲ ንብዓታ እግሩ ኽተርሕሶ ጀመረት፤ ብፀጕሪ ርእሳ እናደረዘት ድማ እግሩ ትስዕሞ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱውን ትቐብኦ ነበረት።


ስምኦን ከዓ “ንኣይስ እቲ ብዙሕ ዝተሓደገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፤ ኢየሱስ ድማ “ሓቂ ተዛሪብካ” በሎ።


ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ።


ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?


ናብ ገዛኡ ኣእትዩ ኸዓ፥ ነተን ኣእዱግ ዝብላዕ ሃበን፤ ኣእጋሮም ተሓፂቦም ከዓ በልዑን ሰተዩን።


ሽዑ ንሳ ተሲኣ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፍአት፤ “እኒሀኹ ኣነ ገረዱ፥ ኣእጋር ኣገልገልቲ ጐይታይ ንምሕፃብውን ድልውቲ እየ” በለት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos