43 ስምኦን ከዓ “ንኣይስ እቲ ብዙሕ ዝተሓደገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፤ ኢየሱስ ድማ “ሓቂ ተዛሪብካ” በሎ።
እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ራህርሀሉሞ ፈትሖ፤ ዕዳኡውን ሓደገሉ።
ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ርሑቕ ኣይኮንካን” በሎ። ብድሕሪኡ ሓደኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።
ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ፤ ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣ ተቐበለቶ።
ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፥ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካብኣቶም እቲ የመና ዘፍቅሮ ኣየናይ እዩ?”
ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልፅ ኢሉ፥ ንስምኦን ከምዙይ በሎ፥ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ትሪኣዶ ኣለኻ? ናብ ገዛኻ ኣትየ፥ ንስኻ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፤ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣርሓሰት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰት።
ስለዙይ ብዙሕ ስለ ዝፈተወት፥ ንኣኣ እቲ ብዙሕ ሓጢኣታ ተሓዲጉላ እዩ፤ እብለካ ኣለኹ። እቲ ቑሩብ ዝሕደገሉ ግና፥ ቁሩብ እዩ ዘፍቅር።”