4-5 ንሳቶም ድማ ናብ ኢየሱስ መፂኦም “ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፤ ቤተ ፀሎትና ዝሰርሐልናውን ንሱ እዩ እሞ፥ እዙይ ክትገብረሉ ይግብኦ እዩ” ኢሎም ኣበርቲዖም ለመንዎ።
ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ፥ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ከም ዝኾነ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ፥ ኣብኣ ፅንሑ።
እቲ ገዛ እቱይ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ ሰላምኩም ይሕደሮ፤ ዘይግብኦ እንተ ኾይኑ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።
እቶም ነታ ዓለም እቲኣን፥ ንትንሳኤ ሙታን ንምውራስን ዝበቕዑ ግና፥ ኣየውስቡን ኣይዋሰቡን እዮም።
ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐ፥ መፂኡ ንሓሽከሩ ኸሕውየሉ፥ ሽማግለታት ኣይሁድ ንኽልምንዎ ናብኡ ለኣኸ።
ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ።
ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም።