10 እቶም ልኡኻት፥ ናብ ገዛ ምስ ተመለሱ ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ሓሽከር ሓውዩ ረኸብዎ።
ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከም ዝደለኺዮ ይኹነልኪ!” በላ። እታ ጓላውን በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ “ኪድ፥ ከም እምነትካ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ወዱ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።
ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።
ኢየሱስ ንፅባሒቱ፥ ናይን ናብ እትብሃል ዓዲ ኸደ፤ ምስኡ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ።
ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ተገረመ፤ ናብቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ ኸዓ “ከምዙይ ዝበለ እምነት፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፥ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።