1 ኢየሱስ ኵሉ ዘረባኡ፥ ነቶም ህዝቢ ኣስሚዑ ምስ ወድአ፥ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።
እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛኡ ብዘይ መሰረት፥ ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።”