9 ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም።
ንኣኣቶም ድማ “ብሰንበትስ ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ።
ኢየሱስ ንሊቃውንቲ ሕግን ፈሪሳውያንን “ብሰንበት ምፍዋስስ ግቡእ ድዩ ወይ ኣይግቡእን?” ኢሉ ጠየቖም።
ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ እናጠመተ፥ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ዘርግሐ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።
ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፥ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ “ተስእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል!” በሎ። ንሱውን ተሲኡ ደው በለ።
ወዲ ሰብ ህይወት ሰብ ከድሕን እምበር፥ ከጥፍእ ኣይመፀን” ኢሉ ገሰፆም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸዓ ኸዱ።