8 ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፥ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ “ተስእ እሞ ኣብ ማእኸል ደው በል!” በሎ። ንሱውን ተሲኡ ደው በለ።
“ኣታ ወደይ ሰሎሞን፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ሓሳባት ድማ ይፈልጥ እዩሞ፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፤ ብፍፁም ልብኻን ብምሉእ ድሌትካን ከዓ ኣገልግሎ። እንተ ደሊኻዮስ፥ ክትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ግና ንዘለኣለም ክሓድገካ እዩ።
ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምር፥ ብቕንዕናውን ከም እትሕጐስ እፈልጥ ኣለኹ። ኣነ ኸዓ እዝ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብድሌት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። ሕዚ ድማ እዝ ኣብዙይ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኸቕርበልካ እንተሎ ብሓጐስ ሪአ ኣለኹ።
“ኵሉ ምግባር ከም እትኽእልን፥ ነቲ ዝመደብካዮውን ኻብ ምግባር፥ ዝኽልክለካ ኸም ዘየለን ፈለጥኩ።
እግዚኣብሄር ነዙይዶ ኣይምርምሮን ነይሩ? ንሱ ልቢ ዝሰወሮ ይፈልጥ እዩሞ።
ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥ ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤ ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”
ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ?
ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ።
ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ።
ኢየሱስ ከዓ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ኢልኩም ትሓስቡ?
ኢየሱስ ከዓ “እስኪ ኽጥይቐኩም፤ ብሰንበት ፅቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር፥ ነፍሲ ምድሓንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ?” በሎም።
ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ።
ንሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ትፈትወኒ ዲኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ንሳልሳይ ጊዜ “ትፈትወኒ ዲኻ?” ስለ ዝበሎ እናሓዘነ “ጐይታ፥ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ፤
ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ ኣግሪጳ ድማ፥ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብሕቡእ ስለ ዘይተገብረ፥ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ።
በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ።
ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።
እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።
ንደቃውን ብሞት ክቐስፎም እየ፤ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከዓ፥ ኣነ ናይ ሰብ ልብን ኵላሊትን ዝምርምር ምዃነይ፥ ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን፥ ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ።