Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 6:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከዓ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ኢሎም፥ ይፀናተውዎ ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 6:7
14 Referencias Cruzadas  

እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ በርትዑኒ፥ እቶም መከራይ ዝደልዩ፥ ከንቱ ተናገሩ፤ ኵልሻዕውን ብጥበራ ይመኽሩለይ ኣለዉ።


እቶም ንሰብ ብነገር በደለኛ ዝገብርዎ፥ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስፅ ድማ መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ፃድቕ ብኸንቱ ዘስሕትዎ ኽጠፍኡ እዮም።


ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።


ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ [ብኽፉእ] ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ።


ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይፀናተውዎ ነበሩ።


እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።


ተፀናፂኖም ብዘረባኡ ኸጋግይዎ እሞ፥ ናብቲ ሮማዊ በዓል ስልጣን ንፍርዲ ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝፀናፀኑ ሰለልቲ ሰደዱሉ።


ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን” በሉ፤ ካልኦት ድማ “ሓጢኣተኛ ሰብ ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል?” በሉ። ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos