3-4 ኢየሱስ ድማ “ዳዊት፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝኣተወ እሞ፥ ንኻህናት ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ክበልዖ ዘይግባእ፥ ሕብስቲ ቝርባን ወሲዱ ኸም ዝበልዐ፥ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦም፥ ኣየንበብኩምን ዲኹም?” ኢሉ መለሰሎም።
ንሱ ድማ መሊሱ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ‘ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም፥ ስለዙይ ድማ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ፤ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?’
“እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ “እወ፥ እቲ ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ህፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ’ ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?” በሎም፤
ኢየሱስ ከዓ፦ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤’ ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን?
ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ግና፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ዝተብሃለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን” ኢሉ መለሰሎም።
ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፆመ፤ ድሕሪዙይውን ጠመየ።
‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ’ ዝብል ፅሑፍዶ ኣየንበብኩምን?” በሎም።
ምዉታን ከም ዝትስኡስ፥ ንሙሴውን እግዚኣብሄር ኣብቲ ቘጥቋጥ፥ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ኸም ዝበሎ ኣየንበብኩምንዶ?