2 ካብ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም “ስለ ምንታይ፥ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ትገብሩ ኣለኹም?” በልዎም።
“ሓደ ሰብ፥ ክሕለወሉ ኢሉ፥ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፥ ሕድሪ እንተ ሃበ፥ ንሱ ኸዓ እንተ ሞተ፥ ወይ እንተ ተሰብረ፥ ወይ ዝረአዮ ዘይብሉ እንተ ተዘምተ፥
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኻ ስራሕ፤ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ኵሉ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ዝሰርሕ ይቀተል።
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕኹም ስርሑ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት ሰንበት፥ በዓል ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብኣኣ ስራሕ ዝሰርሐ ዅሉ ይቀተል።
“ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥
ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ሪኦም “ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።
“ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ስርዓት ዓበይቲ ዝጥሕሱ? እንጀራ እንትበልዑ ኣእዳዎም ኣይሕፀቡን ኢዮም” ኢሎም ጠየቕዎ።
ፈሪሳውያን ከዓ “እስኪ ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ስለ ምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ?” በልዎ።
ንሳቶም ድማ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ጊዜ ይፆሙ፤ ፀሎትውን ይገብሩ፤ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፤ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ስለ ምንታይ ይበልዑን ይሰትዩን?” በልዎ።
ስለዙይ ብሰንበት ነዝ ነገራትዙይ ስለ ዝገበረ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ የሳጕጉዎ ነበሩ፤ ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።