1 ኢየሱስ ብሰንበት፥ ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ሸዊት እናቐንጠቡ፥ በእዳዎም እናሓሰዩ ኽበልዑ ጀመሩ።
“ንሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ብዅዕ ካብ ኣባይትኹም ክተውፅእዎ ኢኹም። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ዝበዅዐ ዝበልዕ ሰብ ከዓ ኻብ ህዝቢ እስራኤል ተፈልዩ ይወገድ።
ካብታ ዝውዝወዝ እንዳእቲ ዘምፃእኹምላ መዓልቲ ንደሓር፥ ካብ ፅባሕ እታ ሰንበት ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ምሉኣት ሰሙናት ቍፀሩ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
ከራሚ ወይኒ እናሰተየ፥ ነቲ ኸራሚ ወይኒ ደኣ ጥዑም ይብል እምበር፥ ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የለን።”
ብኻልእ ሰንበት ድማ፥ ኢየሱስ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ መሃረ፤ ኣብኡውን የማነይቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።
“ካብታ ምዕፃድ እኽሊ እትጅምሩላ ሸውዓተ ሰሙን ቍፀሩ።
ናብ ዝሩእ ብፃይኩም ምስ ኣተኹም ሸዊት ብኢድኩም ቀፂኹም ብልዑ፤ ዓፂድኩም ግና ኣይትውሰዱ።”