8 ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ።
ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑ፥ “ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ክመፅእ” በለ።
ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።
“እንሆ ጐይታይ፥ ኣነ ኸንቱ ዝኾንኩ ሰብ እየ፤ እንታይ ኢለ ደኣ ኽምልሰልካ? ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ።
ንሙሴ ድማ “ንስኻ ባዕልኻ ተዛረበና፤ ክንሰምዐካ ኢና፤ ግና፥ ምእንቲ ኸይንመውት እግዚኣብሄር ኣይዛረበና” በልዎ።
ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።
ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም እምብዛ ስለ ዝፈርሑ፥ ብግምባሮም ተደፍኡ።
ናብ ቤት ኣትዮም፥ ነቲ ህፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ፤ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሳፁኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገፀ በረኸት ኣቕረቡሉ።
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ “ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን፤ ግና ብቓልካ ኣዝዝ፤ ወደይ ድማ ኽሓዊ እዩ።
ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም፥ መፂኦም ክሕግዝዎም ፀውዕዎም። መፂኦም ድማ፥ ክልቲአን ጃልባታት፥ ንምጥላቕ ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን።
እዙይ ከዓ ንሱን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ በቲ ኸስግሩ እንተለዉ ዝሓዝዎ ዓሳ ስለ ዝተገረሙ እዩ።
ማርያም ግና ናብታ ኢየሱስ ዝነበራ ስፍራ መፂኣ ምስ ረአየቶ፥ ኣብ እግሩ ተደፊኣ “ጐይታይ፥ ኣብዙይ እንተ እትነብርስ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ።
ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥
ማኑሄ ድማ ንሰበይቱ “ንእግዚኣብሄር ርኢናዮ ኢና እሞ፥ ብርግፅ ክንመውት ኢና” በላ።
እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ከዓ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ቅዱስ ኣምላኽ እዙይ፥ መን ክቐውም ይኽእል? እዝ ታቦትከ ኻባና ወፂኡ ናብ መን ክኸይድ እዩ?” በሉ።